text
stringlengths 0
349
|
---|
ነዚ ሃተውተው ዝጽሕፎ ዘሎ ሰብ መን እዩ? |
ጆኒ ኣጆኻ በርትዕ! ናይ ትምህርቲ ሰዓት ኣኺሉ። |
እቲ ማሕበርን እቲ ትካልን ሓድሽ ውዕል ክገብሩ ተሰማሚዖም። |
ብዛዕባ እተፈላለየ ኽፋል ዓለም ንምፍላጥ፡ ኢንተርነት ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። |
ብሰንኪ ሓንቲ ንጣብ መርዚ፡ እቲ ውሩይ ተዋጋኣይ ተሳዒሩ። |
ወለዳ፡ ብዛዕባ ቝስላ ተጨኒቖም ኣለዉ። |
እቲ ልምምድ ከቢድ እዩ። ስለ ዓወት ኢልካ ግን ክትጻወር ኣሎካ። |
ኣደ ሱዛን ወይዘሮ ሊ ኣብ ለንደን ኣላ። |
ዓባየይ ወዲቓ እግራ ተጐዲኣ። |
ብጻየይ፡ ክትጽሊ ንዓ እቶ። |
ኣሌክስ፡ ንኽልተ ካብቶም ዝተረፉ ኣብቲ ኸረን ናብ ዘላ ብኣጕናድ እተሰርሐት ቤት ኣብጺሕዎም። |
ሰብ ኣብ ዘይበዝሓሉ ሰዓታት እንተ ተጓዒዝካ፡ ሕሱር ዋጋ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። |
ናብ ለንደን ምስ ከደ፡ ንወዲ ሓትኖኡ/ወዲ ሓውኣቦኡ ኽበጽሖ እዩ። |
እቲ ጐረቤት "ነቲ ኣንሶላታት፡ ባዕለይ ክሰጥሖ እየ" ኢሉ። "ኣመና ከቢድ እዩ።" |
ኣርባዕተ ቐንዲ ኣንፈት፥ ምብራቕ፡ ደቡብ፡ ምዕራብ፡ ሰሜን ኣሎ። |
እቲ እተጐድአ ሰብኣይ ክግዕር ከሎ ንሰምዖ ኣለና። |
እቶም ተማሃሮ ብመስርዕ እዮም ዝስጕሙ። |
ንኽልቲኡ ጫፍ እቲ ሸረጥ ብኽብረትካ ኣጣብቆ። |
ኣብ መንጎ፡ "ብገለ መጠኑ ሰብ ክርድኣካን" "ምጥቃም ቅኑዕ እንግሊዘኛን" ዓብዪ ፍልልይ ኣሎ። |
ጀምስ ተቘጻጻሪ ህንጸት እዩ። |
እቲ ምርእቲ ብዙሕ ተጣቒዕሉ። |
ኣቶ ስሚዝ፡ ብዙሕ ርሒቑ ኣይርከብን እዩ። |
ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ፍሉይ ዋጋ ክኸፍል እኽእል እየ። |
ካብ ጫፍ ጸድፊ ዄንካ እንተ ጨዲርካ፡ መቓልሕ ድምጽካ ትሰምዖ ኢኻ። |
"ኣርባዕተ ምስ ሓሙሽተ ምስዝድመር ክንደይ ይኸውን?" "ኣርባዕተ ምስ ሓሙሽተ ምስዝድመር ትሽዓተ ይኸውን።" |
ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ሃተውተው ክብል ጀሚሩ። |
ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። |
እቶም ወተሃደራት፡ ነቶም መንእሰያት ናብ ሰራዊት ክኽተቡ ኣገዲድምዎም። |
መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቲ ቐንዲ ኣሸባሪ ቐቲልዎ። |
ኣነ ዝኽደኖ ጓንቲ ቝጽሪ ሹዱሽተ እዩ። |
ደቆም ዘዕብዩሉ መገዲ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ። |
ኣብ ዕለተ ልደቱ ዘይተጸበዮ ጥዑም ቶርታ ኣዳልየሉ ኣለኹ። |
ኣቦይ ኣይፋል ኢሉ። |
እቲ ህዝቢ ተሓጒሱ። |
እቶም ሓለውቲ ንሳንጣታቶም ኣብ ኣፍደገ ፈቲሾምዎ። |
በዚ ዝታተልሲ፡ ዓሻ ድየ ዝመስለካ |
ከም ሓቂ ንሕና ንታሪኽ ዘይኰነስ ታሪኽ እዩ ንዓና ዝውንነና። ርእሰ መርመራ ጌርና ንርእስና ቕድሚ ምፍላጥና፡ ካብ ስድራ ቤትናን ካብ ማሕበረሰብናን ካብ እንነብረሉ ሃገርን ብዛዕባ ርእስና ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። |
ኣባሓጐይ ካብ መደያይቦ ወዲቑ ብኸቢድ ተጐዲኡ። |
ኣዳም ነቲ ዒላማ ብኽልተ ፊት ስሒትዎ። |
ካብቲ ስእሉ፡ ዝኣኸለ ሰብኣይ ይመስል። |
ተማሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኸትክኹ ኣይፍቀደሎምን እዩ። |
ብመሰረት ናይ ሎሚ ንግሆ ጋዜጣ፡ እቲ እተፈርዶ ገበነኛ ርእሱ ቐቲሉ። |
ንዂሉ ሰብ ስለዝነግረልካ፡ ንክሪስ ሚስጢርካ ምንጋር ሓደገኛ እዩ። |
መዛግብቲ ልደት፡ ንዅሉ ግሁድ እዩ። |
ፖሊስ ንሓደ ጥርዓን ምእንቲ ኽምርምር፡ ዳኛ ኽውስን ኣለዎ። |
እቲ ወተሃደር ተጐዲኡ ኣብ መሬት በጥ ኢሉ። |
እቲ ንጉስ ንጓሉ ነቲ ትሽዓተ ዝርእሱ ገበል ክህባ እዩ። |
ጀርመናውያን፡ ንሓያል ኲነታት ማሕበራዊ ድሕነት ክብሪ ይህቡ እዮም። |
ምሉእ ህይወትካ ሚልዮናት ዶላራት ኣኪብካ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሃብትኻ ዋጋ ዘይብሉ ይዀነካ። |
ናብቲ ቤተ ምርምር ኣቲኻ ነቲ ናይ እዋን ሓደጋ ደወል ጠውቆ። |
ፍልጠት ብዘይ ምምዝዛን ኣይኽጠቕመካን እዩ። |
ከም ሓቂ ኣብ ዘይትፈትዎ ነገር ኣሳልጦ ኻብ እትረክብ፡ ዋላ ኣይስለጥካ እትፈትዎ ነገር ምግባር ይሓይሽ። |
ከም ግብራ ብዙሕ ኣይተቐጸዐትን። |
ብመርከብ ምጕዓዝ፡ ምሹእ'ዶ? |
ካዕካዕ እንተ በሊዕካ፡ ኣብ ህይወትካ ሓሙሽተ ዓመት ትውስኽ ኢኻ። |
ማሪያ፡ ሕጂ ሓሙሽተ ዓመት ገይራ ኣላ። ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ካብ ፌስ ቡክ ኣይተፈለየትን። |
ኣሚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብቲ ካንቸሎ ሰሪሓ እያ። |
እቲ ፖሊስ ነቲ ተጠርጣሪ ዳርጋ ኽሳዕ ዝመውት ቀጥቂጥዎ። |
ምስ ሓወይ እበልዕ ኣለኹ። |
ሰላም! ብኽብረትካ ንዱመይ ብልዓያ! |
ልዑል ቻርለስ፡ እቲ ዝቕጽል ንጉስ ብርጣንያ እዩ። |
ሰብነትና ቀስ ኢሉ ይዓቢ፡ ቀልጢፉ ድማ ይመውት። |
ሕሉፍ ሓሊፉ ሳኪ ኽሰቲ ጀሚሩ። |
ኣብ ጐና እንተተንኪኽካያ፡ ትውጭጭ እያ። |
ነቲ ጎቦ ምስ ሓኾርካ፡ ናብቲ ቤተ ምርምር ክትበጽሕ ኢኻ። |
"ክንደይ?" "ዓሰርተ ቅርሺ።" "ኣይተላግጽ እንዶ። ሓሙሽተ ኽህበካ።" |
ኣብ እዋን ቍሪ ጀላቶ ምልሓስ ኣይፈቱን እየ። |
ኪም፡ ባህ ዜብል ፍሽኽታ ኣለዋ። |
ዓዋሉ ጕድኣት ኣውሪዶምሉ። ቀጢቂጦምዎ፡ ቦርሳኡ ወሲዶምሉ። |
ሓጐስ ብገንዘብ ኣይዕደግን እዩ ዝበለ ሰብ፡ ናበየናይ ዕዳጋ ክኸይድ ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን እዩ። |
እቲ ፈረስ ምትንፋስ ስለ ዝሰኣነ፡ ተኲሰ ቀቲለዮ። |
ኣናን ፖልን ድሕሪ ምምራቖም ናይ ፍቕሪ ዕርክነት ጀሚሮም። |
እዛ ፊልም ብሰንኪ ሓደጋ ባቡር ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ፡ ሓንቲ ምስ ጓል ድኻ ብኸመይ ምስ ሓንቲ ጓል ሃብታም ከም እተቐያየረት እያ እተዘንቱ። |
ኣብ መወዳእታኡ ኣብ ሰይፉ ወዲቑ ርእሱ ቐቲሉ። |
ናተይ ሓሳብ - እቲ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ሓቦ ስኢኑ። |
ንዓርከይ ኦስካር ከፋልጠኩም እንከለኹ ዓቢ ሓጐስ ይስምዓኒ። |
ፈረስ ምውናን ዓብዪ ሓላፍነት የስዕብ እዩ። |
ከም ዕድል፡ መፍትሐይ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ረኺበዮ። |
ነቲ ንዋት ክትጥቀመሉ ከለኻ፡ እኹል ብርሃን ኣብ ዘለዎ ኽፍሊ ክኸውን ኣለዎ፣ ካብቲ ስክሪን ድማ ርሕቕ ክትብል ኣሎካ። |
ከም ሓሰማ እየ ዝበልዕ ነይረ። |
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ዓርከይ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን፡ ጽቡቕ ስራሕ ንምድላይ ናብ ብራዚል ንሓሙሽተ ወርሒ ኽመጽእ እዩ። |
ንሱ ድማ ከምዚ በለ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ፣ ጥራየይ ስለ ዝዀንኩ ድማ ተሓቢአ። |
ወረጃ ሰብኣይ፡ ንሰበይቱ ቐይሕ ዕምባባ የምጽኣላ። |
ዓርከይ ኲን፣ በጃካ ድማ ባኒ ኣምጽኣልና። ኣብኡ ከለኻ ድማ ነቲ ጐሓፍ ናብ ደገ ኣውጽኣዮ። |
ቅድሚ ምስጋርካ፡ ቀጠልያ ኽሳዕ ዚውላዕ ተጸበ። |
ሓደ እሙን እተባህለ ሰብኣይ ዝጸሓፎ ሽዱሽተ መስመር እንተ ኣርኢኻኒ፡ ገለ ጌጋ ምርካበይ ኣይተርፍን እዩ። |
ምውስዋስ ኣካል ዘይምግባር፡ ንጥዕናኻ ኽጐድኦ ይኽእል እዩ። |
ነታ ኸተማ ኻብ ወራር ዝከላኸል እተዓርደ ዕርዲ እዩ። |
ዊልያም ፍሉጥ ቀንዲ ኸሻኒ እዩ። |
ጄፍ፡ ፈጺሙ ፍቕሪ ዝሕዞ ኣይመስሎን እዩ። |
እቲ ኣማኻሪ ብዛዕባ ሓዳሮም ቅድሚ ምውሳኖም፡ እተወሰነ እዋን ህድእ ኢሎም ክሓስቡ መኺርዎም። |
ነቲ መረቕ ጥዓሞ እሞ፡ እንተ ደሊኻ ጨው ወስኸሉ። |
ኣብ ለንደን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ሰብ ይባጻጻሕ እዩ። |
ገሊኦም፡ ፈለማ እቲ ማሕበረሰብ ክዕረ ኣለዎ ይብሉ፡ እዚ ግና ካሮሳ ኣብ ቅድሚ ፈረስ ከም ምቕማጥ እዩ። |
"ትህደን የለኻ፡ ሓቀይ'ዶ?" ሕሹኽ ምስ በለ፡ መብራህቲ እታ ኣብ ኵርናዕ ዘላ ገዛ ጠፊኡ። ዝናብ ኣዝዩ በርቲዑ |
እዚ ባንኪ'ዚ፡ ብዘይ ፍቓዶም ብኣስማት ሰባት ናይ ባንኪ ሕሳባት ይኸፍት እዩ። |
እተወሰነ ኽጸፍፍ ዘለዎ ነገራት ኣሎ። |
ዋላ ዘይርድኣ ገርሂ እያ። |
ኣዝዩ ምልኩዕ እዩ። |
ኣብቲ ኣሌክስ ሃብኒ ዝበላ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ ብሓቂ ዝደለየሉ ግዜ፡ ማለቱ ኮይኑ "ካዕካዕ" ሃብኒ ኣብ ዝበላ ጥራይ ትህቦ። |